ፅባሕ ዝስራሕ ብደቅና ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ ዝስራሕ ብደቅና ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ካዛንቺስ ኣዲስ ስፖርት ፓርክ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኢዩ።

ኣብ ስራሕ ህንፀት ሃገር ክልተ መሰረታዊ ዓምዲታት ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ንትማሊ ብቅጥዒ ዝዝክር ከምኡ እውን ንፅባሕ ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ፅባሕ ዝስራሕ ብደቅና ኢዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ 35 ሺሕ ዝኾኑ መውዐሊ ህጻናት ሃኒፅና ኢና ብምባል፤ ኣብ ታሕቲ ኢዩ ስራሕ ክስራሕ ዘለዎ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

እዞም ቆልዑት እንትበፅሑን እንተበቕዑን ኢትዮጵያ ቅንዕ ክትብል ዘኽእል ዓቕሚ ሒዞም ይለዓሉ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

5 ሚሊየን ኮደርስ መንእሰይ ንፍጠር ዝበልና ፅባሕ ንምስራሕ ዘኽእል ትውልዲ ንምስስራሐ ኢዩ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment