ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ሴኔጋል ዘሕደገ መዘራረቢ ውሳነ ካፍ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ቅድሚ ኣዋርሕ ሴኔጋል ዝተዓወተቶ ፅዋዕ ኣፍሪካ ተሓዲጉ ንሞሮኮ ንኽምለስ ውሳነ አሕሊፉ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ዝተገበረ ፀወታ ፍፃመ ቶታል ኢነርጂ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2025 ሴኔጋ ንሞሮኮ ብምስዓር ፅዋዕ ምዕታራ ይዝከር፡፡

ይኹን እምበር ኣብቲ ፀወታ ፍፀመ ብዝተፈጠረ ውጥረት ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ውሳነ ዳይና ብምቅዋም ሜዳ ሓዲጎም ብምውፀኦም እቲ ፀወታ ንደቓይቕ ተቋሪፁ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ድሕሪ ደቓይቕ ካብ ዝተቛረፀሉ ዝቐፀለ ፀወታ፤ ሴኔጋል 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ሻምፒዮን ምዃና ኣይርሳዕን፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ሞሮኮ ዝተፈጠረ ኣጋጣሚ መበገሲ ብምግባር ንኮሚቴ ሰማዒ ጥርዓን ካፍ ቅርታ አእትዩ ነይሩ፡፡

እቲ ጉዳይ እናመርመረ ዝፀንሐ ኮሚቴ ሰማዒ ጥርዓን ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ እውን ውሳንኡ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ኮሚቴ ብመሰረት ደምቢ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዓንቀፅ 84 ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ዝተዓወተቶ ፅዋዕ ተሓዲጉ ሞሮኮ ተዓዋቲት ንኽትከውን ወሲኑ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment