ፈላማይ ዓለም ለኸ ፎረም ምትሕብባር ድሕንነት ህዝቢ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፈላማይ ዓለም ለኸ ፎረም ምትሕብባር ድሕንነት ህዝቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፎረም ምትሕብባር ድሕንነት ህዝቢ (ሊያንዩንጋንግ) ኣባል ቦርድ ዳይሬክተራት ምምራፃ ይፍለጥ፡፡

ኮሚሽነር ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጄኔራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ እዋን÷ እቲ ፎረም ብምትሕብባር ሓበራዊ ደሕንነት ንምሕላው ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ድሕንነት ህዝባ ኣብ ምሕያል ልዑል ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ፎረም ምትሕብባር ህዝባዊ ድሕንነት (ሊያንዩንጋንግ) ኣንዲ ትሳንግ ብግዲኦም÷ ብደረጃ ዓለም ጎንፅታትን ካብ መንቐሊኦም ንምውጋድ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

Comments (0)
Add Comment