ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድልውቲ ኢያ ኢሎም ኣዛዚ ጦር ምድሪ እታ ሃገር ጄነራል ፒየር ሺል፡፡
ብጄ/ል ፒየር ሺል ዝተመርሐ ወታደራዊ ልኡኽ ፈረንሳይ ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተዛቲዩ፡፡
ወታደራዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ እቲ ዘተ ኣብ ቀፃሊ ብዝህልዉ ልኡኽቶታት ምኽባር ሰላም ዘድሀበ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ወታደራዊ ምትሕብባር መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝገበሩዎም ስምምዕነታት ስዒቡ ዝተገበረ ከምዝኾነ ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ጄኔራል ፒየር ሺል ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ እናሰርሐቶ ብእትርከብ ስራሕ ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀፃሊ ኣድላዪ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ተሳትፎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣዛዚ÷ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ፈረንሳይ ንሓራዊ ተረባሕነት ኣብ ሓገዝ ወታደራዊ ናውቲ፣ ስልጠና ሓይሊ ሰብን ዘይተቖራረፀ ወታደራዊ ምትሕብባርን ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።
ሓላፊ ዋና መምርሒ ስልጠናን ትምህርቲን ምክልኻል ጄ/ል ይመር መኮንን ብግደኦም÷ ግዚኡ ብዝጠልቦ ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ምስ ፈረንሳይ ብምትሕብባር ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!