ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዓለም ፈታኒ ዝኾነ ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ሓደ ሃገር ጥራሕ መፍትሒ ኣየምፅእን ስለዘየምፅእ ዝተወደበ ፃዕሪ ክግበር ተሓቲቱ፡፡
ኣብ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ዝተፈላለያ መራሕቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ሓለፍቲ ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡፡
እቲ ጉባኤ “ዓለም ለኸ ለውጢ ከባቢ ኣየር መፍትሒ ንምስላጥ፣ ሓምለዋይ ልምዓት ኣፍሪካ ብፋይናንስ ምድጋፍ“ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ክካየድ እዩ፡፡
ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሪካ ጥንካረን ሓድነትን ኣብነት እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዙርያ ራእይ ናብ ጭቡጥ ተግባር ንምቕያር ኣብነት ምዃና ኣልዒሎም፡፡
ፈተናታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ሓደ ሃገር ጥራሕ መፍትሒ ከምፅእ ስለዘይኽእል ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡
ለውጢ ከባቢ ኣየር ጉዳይ ድምፂ ኣፍሪካውያን ኣብ መድረኻት ዓለም ይስማዕ ምጅማሩን ህይወት ዜጋታት ዝልውጡ ተግባራት እናተኻየደ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣህጉራዊ ትካላት ፋይናንስ ብምጥንኻር ሓምለዋይ ልምዓት ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም፡፡
ብመሳፍን ብርሌ