ፈተናታት ብምፅዋር ብኹሎም ዓውዲታት ዓወታት ተመዝጊቦም – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ፈተናታት ብምፅዋር ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዓወት ኣመዝጊቦም ኢሎም ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ዓበይቲ ብመንግስቲ ዝተስርሑ ከምኡ እውን ተስፋታት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ሃገርና ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ተፃዊራ ፀኒዓ ነይራ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ነዞም ፀገማት ብምስዓር ክብርን ናፅነትን ብዝርከብ ፅንዓት ምዃኑ ንዓለም ኣርእያ እያ ኢሎም።

ብድሆታት ብምስጋር ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዓወታት ከምዝተመዝገበ ኣመልኪቱ፤ ሓያልን ርጉእን ሃገር ናብ መፃኢ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነት ኣለና እውን ኢሎም።

ፅንዓት ንሓንቲ ሃገር ዝኽፈል ናይ ክብሪ ኣርማ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ፅንዓት ዘለዎ ወለዶ ሃገር ይሃንፅ፤ ይሕሉ፤ የሳግርን ኢሎም።

ብሓባር ጅግንነትና ሃገርና ኣኽቢርና ባንዴራና ኣልዒልና ዝበሉ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፤ ብፅንዓት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዕላምኡ በፂሑ ኢሎም፡፡

ኣብ ሎሚዘመን ክረምቲ 714 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ምትካሉ ብምሕባር፤ እዙይ ድማ ሓበራውነት ዘርእይ እዩ ኢሎም፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment