ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ጋህዲ ካብ ዝኾነሉ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ብዙሓት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፈተናታት ናብ ዕድል ብምልዋጥ ዓወታት ተመዝጊቦም ኢዮም።
ኣብ ለውጢ ዓመታት መንግስቲ ካብ ሞንጎ ዘጋጠሙ ፈተናታት፤ ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተራኸቡ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶታት፣ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ኮቪድ-19 ይፅርሑ።
ካብዚ ብተወሳኺ ክሌማዊ ለውጢ ዘስዐቦም ድርቂ፣ ምግህማስ መሬት፣ ሓደጋ ውሕጅን ካልኦት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ነቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣዚዮም ፈቲኖምዎ ኢዮም፡፡
ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዝነበረ ደገዊ ፅዕንቶ ብምፅዋር ከምኡ እውን ብልሹው ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት ብምትዕርራይ ንፍፃመ ብምብቃዕ ክምረቕ ክኢሉ ኢዩ።
ግብፂ ክትክተሎ ዝደለየት ፍትሓዊ ካብ ዘይኮነ ኣተሓሳስባ ኣጠቐቕማ ዝተበገሰ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ክተዓናቐፍን ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ክብርትዕን ዘይተጓዘቶ መገዲ ኣይነበረን።
ኢትዮጵያ ነዚ ፈተና ኢድ ብዘይምሃብ ፍትሓዊ ኣጠቐቕማ ማይ ዓቕማ ብፅኑዕ ብመሓዝ እቲ ግድብ ኣብ ጫፍ ብምብፃሕ መተኣሳሰሪ ገመድ ሓይሊ እቲ ዞባ ክትገብሮ ብምብቃዕ ታሪኻዊኻዊ ዓወት ኣመዝግባ ኢያ።
እቲ ግድብ ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ምጉልባት ዕዙዝ ግደ ከምዝፃወት ኣብ መርሃ ግብሪ ምረቓ እቲ ግድብ ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ምስክርነት ምሃቦም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ኩነታታት የጋጥሙ እምበር እቶም ፀገማት ብምጽዋር ተኸታታሊ ዕቤት ዘመዝገበ ኢኮኖሚ ተሃኒፁ ኢዩ።
ምስ ኲናት ሩሲያን ዩክሬን ተተሓሒዙ ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ንምፅዋር ናይ ለውጢ መንግስቲ ምረያይነት ውሽጢ ሃገር ብምውሳኽ፣ ወፃኢ ንግዲ ብዝበለፀ ብምምሕያሽን ናይ ውሽጢ ሃገር ኣታዊ ክብ ብምባል ኣብ ኢኮኖሚ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብምፅዋር ኣሊፉ ኢዩ፡፡
ብኣቤል ነዋይ