ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ስርቂ ብዝፀረየ መልክዑ ክውሃብ ብምግባር ውፅኢታዊን ተወዳዳደሪን ወለዶ ምፍጣር ይግባእ፡፡
መርሃ ግብሪ ከይዲ ኣውሃህባ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ብዝምልከት ትልሚ ፀጥታን ኦሬንቴሽን ይካየድ ኣሎ።
እቲ መርሃ ግብሪ ሓለፍቲ ግልጋሎት ስራሕ ብሄራዊ መረዳታን ደሕንነትን፣ ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌዴራል፣ ሓለፍቲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማን ዞባን፣ ተወከልቲ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርስቲ ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም።
ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብዚ ፈተና 12 ክፍሊ ብግቡእ ንምሃብ ትኹረት ዝተውሃቦ ዝተመሓየሸት ሃገር ዝርከብ ወለዶ ንምፍጣር ምዃኑ ገሊፆም፤ እቲ ፈተና ካብ ስርቂ ብዝፀረየ መልክዑ ብምግባር ውፅኢታዊ ተወዳዳሪ ምፍጣር ይግባእ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ኣወሃህባ ዝተፈጠረ ፀገም፤ እቲ ፈተና ብዝሓሸ ተበፃሒ ንምግባርን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዕ ውፅኢት ዝተረኸበሎም ምዃኑ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!