ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓደሽቲ ፈጠራን ቅልጣፈን ከምኡ እውን ሃፍቲ ብምውዳድ ዝርገሐ ዓሶ ንምግታዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጄ ዱጉማ ገሊፆም፡፡
ዓለም ለኻ መዓልቲ ዓሶ ንመበል 18 ግዘ “ሓደሽቲ ፈጠራን ሃፍቲን ብምውዳድ ብኹለ መዳይ ዓለም ለኸ ዝርገሐ ዓሶ ንግታዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅማ ይኽበር ኣሎ።
ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጄ ዱጉማ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ሓደሽቲ ፈጠራን ቅልጣፈን ከምኡ እውን ሃፍቲን ብምውዳድ ዝርገሐ ዓሶ ንምግታዕ እናተሰርሐ እዩ፡፡
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ነፃነት ወርቅነህ (ፕ/ር) ብግዲኦም÷ ኣብቲ ክልል ብዝተተሓዘ በጀት ዓመት ብዓሶ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ ምቕናስ ምኽኣሉ ገሊፆም፡፡
ብወርቃፈራው ያለው