ፋሲል ሓድጊነቱ ሓሊዩ ደረጃኡ ዝሓለወ መስሕብ ቱሪስት ምዃኑ ትንሳኤ ጎንደር ዘርኢ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህንፃታት ኣቢያተ መንግስቲ ፋሲል ፋሲል ሓድጊነቱ ሓሊዩ ንበፃቲ ብዝምቹ ኩነታት ደረጃኡ ዝሓለወ መስሕብ ቱሪስት ምዃኑ ትንሳኤ ጎንደር ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ኣብ ዑደት ስራሕቲ ልምዓት ጎንደር ጠሚቶም ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ÷ ጎንደር ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ጥንታዊ፣ ታሪኻዊን ዓባይ ከተማ ከምዝኾነት ብምሕባር÷ ብዝሓለፉ መንግስታት ዝግበኦ ትኹረት ከምዘይረኸበ ተዛሪቦም።

ቤተ መንግስቲ ፋሲል ከም ሓደ ቱሪስት ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ግቡእ ዝኾነ ሓለዋን ክንክንን እንተተገይሩሉ ከምዘይልጥ ብምዝኽኻር÷ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትኹረት ብምግባር ካብ ዝሰርሑዎም ጉዳያት ሓደ ዓሚቕ ሃፍቲ ቀሊዕኻ ናይ ምርኣይ ስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህንፃታት ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል ዓይንና እናረአየ ክፈርስ ነይሩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ልዑል በጀት ብምምዳብ ካብ ዝነበሮ ዝሐሸ ኮይኑ ብዝግባእ ተፀጊኑ ንበፃሕቲ ክፍቲ ምግባሩ ልዑል ትኹረት ዝተውሃቦ ከምዝኾነ የርኢ ኢሎም።

ሓድጊነቱ ሓሊዩ ንበፃቲ ብዝምቹ ኩነታት ደረጃኡ ዝሓለወ መስሕብ ቱሪስት ምዃኑ ትንሳኤ ጎንደር ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

ብኻሊእ መዳይ ፕሮጀክት ግድብ መገጭ ድሕሪ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዘቐመጡዎ ኣንፈት መሰረት ኣብ ዝሐሸ ደረጃ በፂሑ ማይ መሓዝ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ንልምዓት ጎንደርን ከባቢኡን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ብምግላፅ÷ ናብ 30 ሺሕ ሄክታር መሬት ንምልማዕን ኣብ ከባቢ ጎንደር ዘሎ ዓቕሚ ንምጥቃም ከምዘኽእል ኣብሪሆም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment