ፋብሪካ ሽኮር ፊንጫኣ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር እቶት ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፋብሪካ ሽኮር ፊንጫኣ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ካብ ምህርቲ ሽኮርን ኢታኖልን ንዕዳጋ ብምቕራብ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ።

እቲ ፋብሪካ ዓመታዊ ምህርቲ ሽኮር ናብ 2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኩንታል ከምኡ እውን ምህርቲ ኢታኖል ድማ ናብ 20 ሚሊየን ሊትሮ ንምብፃሕ ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣይተ መንግስቱ ሃይለማርያም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፤ እቲ ፋብሪካ ዓቕሙ ፍርያቲ ንምዕባይ ዘኽእሉ ማሽናት ኣብ ምትካል ይርከብ።

ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 383 ሺሕ ኩንታል ሽኮርን ከምኡ እውን 4 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሊትሮ ኢታኖልን ዘፍረየ እቲ ፋብሪካ፤ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 19 ሺሕ ሄክታር መሬት ሽኮር ኣገዳ ምትካሉ ብምግላፅ፤ እዚ ዓቕሚ ናብ 21 ሺሕ ሄክታር ክብ ንምባል እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛቦም፡፡

እቲ ፋብሪካ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ጉድኣት ብምትእንጋዱ ናብ ንቡር ስርሑ ንምምላስ ስትራተጂክ ትልሚ ብምሕንፃፅ መፍረያይነቱ ንምዕባይ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ብገላና ተስፋ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment