ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ንድኹማት ዓቕሚ ዝሃነፆም መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብምምሕዳር ወንዶገነት ንድኹማት ዓቕሚ ዘህነፆም መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቡ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣድማሱ ዳምጠው ኣብ እዋን ምትሕልላፍ ኣባይቲ ከምዝበልዎ፤ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ካብ ትካላዊ ተልእኾኡ ሓሊፉ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ይፍፅም ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ወለንታዊ ኣገልግሎታት ብንጥፈት ይሳተፍ ከምዘሎ፤ ኣብ 2017 ዓ.ም እዋን ክረምቲ ግልጋሎት ሓምለዋይ ኣሰርን ምሕዳስ ኣባይቲ ድኹማት ዓቕሚን ኣብ ከተማ ወንዶገነት ከምዝተኻየደ ኣዘኻኺሮም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብታ ከተማ ንድኹማት ዓቕሚ ዝሃነፆ መንበሪ ኣባይቲ ዛዚሙ ኣረኺቡ ኢሎም፡፡
ሃገር እትህነፅ ብምድግጋፍ፣ ምትሕስሳብ፣ ምትህብባርን እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፤ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መለለይ ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዋጋ ደገፍ ብምጥንኻር ሓላፍነቱ ከምዝፍፅም ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment