ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋይዳ ንኢትዮጵያ ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትር 3 ግኔቦት 2017 ዓ.ም ኣብ መስቀል ኣደባባይ ከምዝካየድ ቤት ፅሕፈት ፕሮግራም ብሄራዊ መታወቂያ ኣፍሊጡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ፕሮግራም ዩዳሔ ኣርአያስላሴ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፋይዳ መለለዪ መንነት ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣብ ምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕሉ ግደ ይዋፃእ ኣሎ ኢሎም።
ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ሃገር ለዕሊ 15 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ ፋይዳ መለለዪ መንነት ምምዝጋቦም ገሊፆም።
እቲ ውድድር ጉያ ኣድላይነት ፋይዳ ንሕብረተሰብ ግንዛበ ንምፍጣር ከመዝኾነ ሓቢሮም።
መበገሲኡን መብፅኡን መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ እቲ ውድድር፥ ሰንበት ሰዓት 12፡00 ንጎሆ ጀሚሩ ከምዝካየድ ገሊፆም።
ኣብቲ ወድድር ልዕሊ 20 ሺሕ ሰብ ክሳተፍ ኢዩ ክብሉ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ