ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ኢትዮጵያን ግብፂን ብዝምልከት ናብ ፊፋ ጥርዓን ኣቕሪቡ።
እቲ ፌዴሬሽን ኣብቲ ፀወታ ዝተፈፀሙ ጉድለት ስነምግባር ስዒቡ እዩ ንማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም ለኸ ጥርዓን ናብ ኮሚቴ ዲሲፕሊ ፊፋ ዘቕረበ፡፡
ናብ ፊፋ ዝቐረበ ጥርዓን ኣብ ክልተ ቀንዲ ቀንዲ ጥሕሰት ስነ-ምግባር ዝተመርኮሰ ኮይኑ፤ እቲ ሓደ ቅድሚ ፀወታ ምጅማሩ ብሄራዊ መዝሙር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዝመረሉ እዋን ደገፍቲ ጋንታ ግብፂ ዝፈፀምዎ ተግባር ዘይግቡእ ኣካይዳ ብዝምልከት እዩ።
ካብዚ ብተዋሳኺ ብሄራዊ ጋንታ ግብፂ ፍፁም ቅላዕ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ደገፍቲ ፈርኦን ኣብ ዓይኒ ሓላዊ ሽቶ ዋልያ ኣቡበከር ኑራ ብርሃን ኣንፀባሪቖም ክብል ጥርዓን ከምዘቕረበ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!