ፍሉይ መለለዪ ባህሊን ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ – ሰር ዴቪድ ቤካም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉይ መለለዪ ባህሊን ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ – ሰር ዴቪድ ጆሴፍ ቤካም፡፡

ትውልዱ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1975 ኣብ ርእሰ ከተማ እንግሊዝ ለንደን ዝኾነ ዴቪድ ቤካም፤ ፍሉይ መለለዪ ባህሊን ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ኢዩ፡፡

ነበር ተፃቲ ክፍሊ ምክፍፋል ቤካም፤ ኣብ ኣርባዕተ ሊግ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምፅዋት ፅዋዕት ዝዓተረ ብሕታዊ እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ኢዩ፡፡

ብዘደንቕ ኩዕሾ ናይ ምቕባል ክእለቱን ተሳገርቲ ኳዓሻሹኡን ከምኡ እውን ደው ዝበሉ ኩዕሾታት ብምምዝጋብ ብቕዓቱ ብዝበለፀ ዝፍለጥ ዴቪድ ቤካም፤ ናይ ዘበኑ ኮኸብ ከምዝነበረ ብዙሓት ይስማዕምዑሉ፡፡

20 ዓመታት ኣብ ዘሕለፈሉ ህይወት ኩዕሾ እግሪ ብብርኪ ጋንታ 19 ፅዋዓት ክእክብ ዝኻኣለ እንትኸውን፥ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፣ ላሊጋ ስፔን፣ ሊግ ፈረንሳይን ሜጀር ሊግ ሶከር ኣሜሪካን ፅዋዓት ክዓትር ዝኸኣለ ብሕታዊ እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ኢዩ፡፡

ፕሮፌሽናል ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1992 ኣብ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝጀመረ ቤካም፤ ምስ ጋንትኡ ሽዱሽተ ግዘ ሻምፒዮን ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊል፣ ክልተ ግዘ ኤፍ ኤን ሓደ ግዘ ሻምፒየንስ ሊግን ሓዊሱ ብዙሓት ፅዋዓት ክዓትር ክኢሉ ኢዩ፡፡

ካብ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ምስተዘዋወረ ኣብ ሎስ ብላንኮታት ኣብ ዝተፃወተሎም ኣርባዕተ ዓመታት ሓደ ፅዋዕ ላሊጋ ተዓዊቱ ኢዩ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2007 ታሪኻዊን ንኩዕሾ እግሪ ኣሜሪካ ብስራት ኢዩ ዝተብሃለሉ ዝውውር ኣብ ሜጀር ሊግ ሶከር ተሳታፊትት ናብ ዝኾነት ኤል ኤ ጋላክሲ ብምግባር ኣብታ ጋንታ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ 2011ን 2012ን ክልተ ፀዋዕ እቲ ሊግ ተዓዊቱ ኢዩ፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ማእኸል ኣብ 2009ን 2010 ናይ ውድድር ዓመታት ክልተ ዝተፈላለዩ ናይ ልቓሕ ውዕሊታት ናብ ጣሊያናዊት ጋንታ ኤሲ ሚላን ተፃዊቱ ኢዩ፡፡

ካብ ኤል ኤ ጋላክሲ ናብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪሴን ዠርማ ብምዝውዋር ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተፃወተ እንትኸውን፥ ምስ ጋንትኡ ፅዋዕ ሊግ ፈረንሳይ ሊግ ተዓዊቱ፡፡

ንሃገሩ እንግሊዝ 115 ፀወታታት ዝገበረ ዴቪድ ቤካም 17 ሸቶታት እንተመዝግብ፥ ንሃገራዊት ጋንትኡ ንሹዱስጸ ዓመታት ብኣምበልነት መሪሑ፡፡

ድሕሪ 20 ዓመታት ፃንሒት ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2013 ጫማ ሰቒሉ፡፡

ተፃዋታይነት ኩዕሾ እግሪ ጉዕዞኡ ምስዛዘመ ብስፍሓት ገፁ ናብ ፋሽን ኢንዱስትሪ ዘዘረ እንትኸውን፥ ኣብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢንተር ማያሚን ኣብ ሃገሩ ጋንታ ሳልፎርድ ሲቲን ብፅሒት በዓል ዋናነት ኣለዎ፡፡

ካብ ዘንፀባርቕ ናይ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ብተወሳኺ ፍሉይ መግለፂ ባህሊ እንግሊዝ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዴቪድ ቤካም፤ ብሰናይ ተግባር ስራሕቱ ድማ ብስፍሓት ይፍለጥ፡፡

ወዲ 50 ዓመት ዴቪድ ቤካም ኣብ ስፖርትን ሰናይ ተግባራት ስራሕቱን ብዝሰርሖም ዓበይቲ ተግባራት፤ ኣብ እንግሊዝ ልዑል ክብሪን ቦታ ዝወሃቦ ‘ሰር’ ዝብል መዓርግ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ብሪታንያ ንጉስ ቻርለስ ተቐቢሉ፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment