ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሪያት ዓውዲ ሆርቲካልቸር ዘሰስን ስትራቴጂ ዕላዊ ኮይኑ።
ብሄራዊ ሰትራቴጂ ሆርቲካልቸርን ፕሮግራም ፍላግሺፕ ልምዓት እንስሳን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፥ ዓውዲ ሆርቲካልቸር ውሕስነት ሰርዓተ ምግቢ ንምርግጋፅ ነዝግበር ፃዕሪ ልዑል ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም።
ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ፣ ንኣግሮ ኢንዱስትሪ ዝኸውን ጥረ ኣቕሓን መፍጣር ዕድል ስራሕን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ናይቲ ዓውዲ ፍሪያት ብዝበለፀ ንምዕባይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኻን ይስራሕ ኣሎ እውን ኢሎም።
ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ሕፅረት መሰረተ ልምዓትን ሎጂስቲክስን፣ ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዘይምህላው ከምኡ’ውን ኣተሓሓዛ ፍሪያትን ውሱንነት ዕዳጋን ናይቲ ዓውዲ ብድሆታት ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!