ፍሪያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ኦፓል ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሪያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ኦፓል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዕደናታት ንምትዕድዳግ ዘኽእል ምድላው ገይረ ኣለኹ ኢሉ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል መርጊያ ባይሳ፥ ትካሎም ዕዳጋ ብዝማንን ብግልፅነት መትከላት ብምምራሕን ስርዓት ንግዲ እዛ ሃገር ነምስላጥ መሪሕ ግደ ይፃወት ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ዕዳጋ ዕፉንን ስርናይን ዝተጀመረ ስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፍሪያት ቡን፣ ሰሊጥ፣ ጥረምረ፣ ናይ ቅብኣት እኽሊታትን ቅመማ ቅመምን ሓዊሱ ናብ ዕዳጋ ዘቕርቦም ፍሪያታት ግብርና ቁፅሮም ናብ 28 ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ብዝሃቦ ጠመተ 15 ሓደሽቲ ፍሪያታት ናብ ዕዳጋ ምእታው ከምዝተኽኣለ ሓቢሩ።

እቲ ፍሪያት ዕዳጋ ተወዳዳሪን ተደላዪን ንክኸወን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ዝበለፀ ውዕኢታዊ ይኸውን ከምዘሎ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment