ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምክፍፋል ጋንታ ባርሴሎና ፍሬንኪ ዲዮንግ ኣብታ ጋንታ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘፅነሖ ሓዱሽ ኩንትራት ከምዝፈረመ ዕላዊ ተገይሩ።
ኣብ 2019 ካብ ኣያክስ ናብ ጋንታ ካታሎን ባርሴሎና ዝተፀምበረ ፍሬንኪ ዲዮንግ፤ ኣብታ ጋንታ ዘደንቕ ምንቅስቓስ እናርአየ ፀኒሑ ኢዩ።
ክሳብ 2029 ዘፅነሖ ሓዱሽ ውዕሊ ዝፈረመ ዲዮንግ ብዝተፈላለያ ጋንታታ እናተደለየ ዝነበረ ይኹን እምበር፤ እቲ ሕቶ ውድቂ ብምግባር ኣብ ባርሴሎና ክቕፅል ከምዝወሰነ ተሓቢሩ።
ኔዘርላንዳዊ ወዲ 28 ዓመት ዲዮንግ ንጋንታ ባርዜሎና ልዕሊ 200 ፀወታታ ዝገበረ እንትኸውን÷ ኣብ ሜዳ ብዘርእዮ ዝተረጋገአ ቁፅፅር ኩዕሾ፣ ቅብብልን ዘደንቕ ብቕዓትን ይፍለጥ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!