ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍርያት ቡን ብዘይተገበአ መገዲ ኣብ ልዕሊ ዝኽዝኑን ዝሓብኡን ኣካላት ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን ሚኒስቴር ሕርሻ ይመር ዳውድ፤ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፍርያት ቡንን ዓለም ለኸ ዕዳጋን ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።
ኣይተ ይመር ኣብ መግለፂኦም ቡን ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 600 ሺሕ ቶን ቡን ብምልኣኽ 3 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ ርብርብ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡
ኣፈፃፅማ ትልሚ ወፃኢ ንግዲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ዝተትሓዘሉ ሸቶ መጠን ኤክስፖርት ንምዕዋት ማሕለኻታት ከምዘጋጠሙዎ ኣልዒሎም።
ኣብቲ መንፈቕ ዓመት 200 ሺሕ ቶን ቡን ብምልኣኽ 1 ነጥቢ 35 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ዝተረኸበ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ኣብ መዳይ ኣታዊ ልዕሊ ትልሙ ኣፈፃፅማ ዝተርኣየ፤ ኢዩ ኢሎም፡፡
ይኽን እምበር ኣፈፃፅና እንትረአ ናይ ትልሙ 74 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
እዚ ትሕቲ ትልሚ ኣፈፃፅማ ንኽምዝገብ ቀንዲ ምኽንያት ምኽዛን ፍርያት ከምኡ እውን ሸርፊ ወፃኢ ክውስኽ ኢዩ ዝብል ዝተሰሓሓተ ግምት ተፀራሒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ፀገም ንምፍታሕ እዋናዊ ቀረብ ቡን ናብ ዕዳጋ ዓለም ምርግጋፅ፣ ፍርያት ከይሕባእ ግንዛበ ምፍጣርን ፍርያት ኣብ ልዕሊ ዝሓብኡ ኣካላት ጥቡቕ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝግባእ ምግላፆም እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!