ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፍርያት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ብፅሬት ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ ኢለን።
ብ1 ነጥቢ 75 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ዝተሃነፀ ኣትክልቲን ፍረምረን ዓብዪ መኽዚን ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ተገይሩ፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ርብርብ እቲ መዝሐሊ ኣትክልቲን ፍረምረን መኽዚን ልዐል ኣበርክቶ ኣለዎ።
ሚኒስትር ንግዲን ዝባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ እቲ መኽዚን ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ብሓደ ግዘ 20 ሺሕ ኩንታል ፍርያት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
ብተካልኝ ሃይሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!