ፍርያት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ብፅሬት ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ እናተሰርሐ ይርከብ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፍርያት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ብፅሬት ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ብ1 ነጥቢ 75 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ዝተሃነፀ ኣትክልቲን ፍረምረን ዓብዪ መኽዚን ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ተገይሩ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ርብርብ እቲ መዝሐሊ ኣትክልቲን ፍረምረን መኽዚን ልዐል ኣበርክቶ ኣለዎ።

ሚኒስትር ንግዲን ዝባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ እቲ መኽዚን ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ብሓደ ግዘ 20 ሺሕ ኩንታል ፍርያት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ብተካልኝ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment