ፍትሓዊ ክፍፍል ኩባኒያታት ነዳዲ ዝቆፃፀር ኣሰራርሓ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀረብን ፍትሓዊ ክፍፍልን ኩባኒያታት ነዳዲ ዝቆፃፀር ሓዱሽ ኣሰራርሓ ዕዳጋ ተግባራዊ ተገይሩ ኢሉ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ደስታው መኳንንት (ዶ/ር)፥ክፍፍልን ነዳዲ ፈትሓዊን ንልምዓት ሃገር ብዝውዕልን ኣገባብ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።

ኣከፋፈልቲ ነዳዲ ኩባኒያታት ዘከፋፍልዎ ነዳዲ ንሕብረተሰብ ፈትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ተበፃሒ ንክኸውን ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ቀመርን ስርዓት ኣሰራርሓን ብፅሒት ዕዳጋ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ቅድመ ሐዚ ኩባኒያታት ካብ ኣቕረብቲ ትካላት ነዳዲ ተረኪቦም ንመዐደልቲ ነዳዲ ዘብፅሕሉ ኣሰራርሓ ንዘይሕጋዊ መገዲ ኣፍደገ ዝኸፍት ከመዘኾነ ብመፅናዕቲ ምፍላዩ ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ብቐጥታ ተረባሕቲ ዝኾኑ ሴክተራት ልምዓት ኣብ ዝሓትሉ ዕለት ብቀጥታ ንክበፅሖምን ንኮንትሮባንድ ተቓላዒ ነዝኾኑ ከባቢታት ድማ ብኮታ ንክቐርበሎም ከመዝግበር ኣብሪሆም።

ብየሻምበል ምህረት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment