ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፍፁምን ዘላቕን ሰላም እንደሊ እንተኾይንና ይቕሬታ፣ ሓድነትን ፍትሒን ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ።
በዓል መስቀል ደመራ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ይኽበር ኣሎ።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እንቋዕ ንበዓል መስቀል 2018 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሐና ኢሎም።
ብሓይሊ እግዚአብሔር ብጢሰ እጣን ኣመልካትመነት ካብ ዝተቐበረሉ ጉድጓድ ዝወፅአ መስቀል ክሳብ ሎሚ ናይ ሓቂ መስካሪን መልክት ድሕንነትን ብምዃን ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።
ሎሚ ሕገ እግዚኣብሄር ብድፍረት ይገሃስ፣ ናይዚ ወፅኢት ዓለም ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ምንባርን ዘይምንባርን እናእተወ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ፍፁምን ዘላቕን ሰላም እንደሊ እንተኾይንና ይቕሬታ፣ ሓድነትን ፍትሒን ርትዕን ምርግጋፅ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።
ናይ ሎሚ ዘበን ኣበዓዕላ በዓል መስቀል እግዚኣብሄር ዝሃበና ፀጋ ማይ በፍትሓውነት ንምጥቃም ብሓባር ብመሰረት ዝገበርናዮ ተግባር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዛዚምና ኣብ ዘመረቕናሉ ፅባሕ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ተዛሪቦም።
እዚ ኣጋጣሚ ንሃገርና ዳግማይ ልደት ዘብሰረ ኢዩ አነተበልና ምግናን ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ ስራሕቲ ህንፀት እቲ ግድብ ታሪካዊ ኣሰሮም ዘንበሩ ኩሎም ክምስገኑ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!