ፎረም ሓባራዊ ምትሕብባር ፀፅታ ባሕሪን ምድሓን ህይወትን ሃገራት እቲ ዞባ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር እናካየዶ ዝፀንሐ ፎረም ፀፅታ ባሕሪ ሃገራት እቲ ዞባ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ፎረም ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪታት የመን፣ ኦማን፣ ጂቡቲ፣ ሶማሌላንድን ፑንትላንድን ተሳቲፎም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ዘሎ ስራሕ ምድሓን ህይወትን ፀፅታ ባሕሪን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ልውውጥ ተሞክሮ ተኻይዱ።

ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንኦፕሬሽናል ኮሞዶር ጀማል ቱፊሳ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ዞባታት ናይ ምልላይ ሓባራዊ ልምምድ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያድን ዶብ ተሳገርቲ ሓበሬታታት ብምልውዋጥን ፀፅታ ባሕሪ እቲ ዞባ ኣብ ምሕላው ጭቡጥ ዓቕሚ ምፍጣር ተኻኢሉ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም እቲ ወርክሾፕ ዘምፀኦ ተሞክሮ ናብ ተግባር ብምልዋጥ ኣብቲ ዞባ ውፅኢታዊን ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎን ስራሕ ከምዝሰርሑ እምነት ከምዘሕደረሎም ገሊፆም።

ክኢላ ፕሮጀክት ምድላይን ምድሓን ህይወትን ሬር ኣድሚራል ኬኔት ኒጀንስንን ኣመሓዳሪ ኮድ ኦፍ ኮንዳክት ጂቡቲ ማስተር ኩራጃ ሚሺኒን ብግደኦም፤ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥሙ ስግኣታት ንምክልኻል ልውውጥ ሓበሬታን ሚዛናዊ ውሳነታት ምሕላፍን ኣድላዪ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዘርኣዮ ተበግሶ ምስጋና ብምቕራብ፣ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ፅኑዕ ቆራፅነት ከምዘረጋገፁ ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ የመልክት።

ኣዛዚ ባሕራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ቫይስ ኣድሚራል ክንድ ገዙ ንተሳተፍቲ እቲ ፎረም ሰርቲፊኬትን ህያባትን ኣበርኪቶም።

Comments (0)
Add Comment