ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ሰርጂካል ሓለዋ ጥዕና ፓን ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
እቲ ፎረም ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ኢትዮጵያ ምስ ሰርጂካል ሓለዋ ጥዕና ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሲዲሲ ኣፍሪካን ፓን ኣፍሪካን ብምትሕብባር ኣሰናዲኣቶ።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣፍሪካ መሰረታዊ መለክዒ ዘማልኡ ስራሕቲ ሓለዋ ጥዕና ከምዘድልዩን መሰል ስራሕቲን ብግቡእ ክውገኑ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሰርጂካል ሓለዋ ጥዕና ጤና ንምድንፋዕ ኣብ ትልሚ ዝተመስረቱ ስራሕቲ ግቡእ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ንኣፍሪካውያን ኣብ ዓውዲ ጥዕና እኹል ግንዛበ ምዕባይ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ጎድና ጎድኒ እቲ ፎረም ኣብ ሚሊኒየም ሜዲካል ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስን ኣብ ጥዕና ጣቢያ ቸርችልን ኣብ ዙሪያ መጥባሕቲ ሕክምና ዝተሰርሑ ስራሕቲ ተዕዝብቲ ክግበር ኢዩ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካን ሲዲሲ ኣፍሪካን፣ ካብ 40 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ሚኒስትራት ጥዕና፣ ኣመራርሓ ሓለዋ ጥዕና ፓን ኣፍሪካ ከምኡ እውን 150 ሰብ ሞያ ሰርጂካልን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተሳቲፎም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ