ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን እስራኤልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ፎረም ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን እስራኤልን ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ልዝብ እናተገበረ ይርከብ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጌዲዮን ሳርን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፣ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ፣ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ንግዲን ካልኦትን ተረኺቦም፡፡
ብወገን እስራኤል እውን ኣባላት ልኡኽ መዘና ትካላት ዝተረኸቡ እንትኾኑ÷ እቲ ፎረም ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ