ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ፅባሕ ኣብ ፓሪስ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ፅባሕ ኣብ ፓሪስ ክሳለጥ ኢዩ።

ሚኒስቴረር ገንዘብ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሎ፥ እቲ ፎረም ኩለ መዳይ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን በዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ኢዩ።

እቲ መድረኽ፥ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኣቪዬሽን፣ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን መሰረተ ልምዓታትን ዲጂታል ቴሌኮሙኒኬሽን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ናይ ኢትዮጵያ ስሉጥ ምዕባለ ኢኮኖሚን እናማዕበለ ዝኸየድ ዘሎ ሪፎርም ብምርዳእ ምትሕብባር ንግዲ ንምጥንኻርን ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)፥ እቲ ፎረም ኢትዮጵያን ሃገራት  ኣውሮፓን ብመሰረተ ልምዓት፣ ምህዞን ሓቛፊ ዓውዲታት ኢኮኖሚን ንዝስርሑ ስራሕቲ ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment