ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ፓሪስ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ፎረም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ(ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ተተካኢ ዳይሬክተር ኮሚሽን ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ጌዛ ስትራመርን ልኡኽ ሚኒስቴር ንግዲ ወፃኢን ኢኮኖሚን ፈረንሳይ ኒኮላስ ፎርሲየርን ተሳቲፎም።
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ዝምድና ኢኮኖሚ ምጥንኻርን ሓደሽቲ ዕድላት ኢንቨስትመንት ምጥቃመን ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢንቨስትመንት ውልቀ ምስሓብን ኢትዮጵያ ምስ ኢኮኖሚ ዓለም ዘለዋ ዝምድና ብዝበለፀ ምጥንኻርን ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም መደረ ዝገበሩ ሰብ መዚ እውን፥ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን እናማዕበለ ምምፅኡ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ንምፅንባር ትገብሮ ዘላ ስራሕቲ ንኢዶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!