ፒኤስጂ ምስ ቼልሲ ፤ ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቸስተር ሲቲ – ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ አውሮፓ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ሎሚ ምሸት ፒኤስጂ ምስ ቼልሲ፤ ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲት እቲ መድረኽ ዝኾነት ፒኤስጂ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብምግባር ናብ 16 ከምዝሓለፈ ይዝከር፡፡

ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ፅዋዕ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ዘዕወተትሉ 2024/25 ዓመተ ውድድር ናብ 16 ዝተፀምበረት ብተመሳሳሊ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብምግባር ምንባሩ ኣይርሳዕን፡፡

ኣብዚ ዓመተ ውድድር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ወሰንቲ ተፃወትታ ብጉድኣት እናሰኣነት ትርከብ ፒኤስጂ ከም ዓሚ ኣብ ዝበለፀ ብቕዓታ ኣይትርከብን፡፡

ተጋጣሚታ ቼልሲ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዘላቒ ብቕዓት ክተርኢ ኣይትኽኣል እምበር ኣብ መድረኽ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣቐዲመን ናብ 16 ካብ ሞንጎ ዝተፀምበራ ጋንታታት ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ፡፡

ነበር ኣሰልጣ ፈረንሳዊት ጋንታ ስትራስቡርግ ሊያም ሮሴንየር ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ፈረንሳይ ብምምላስ ንቼልሲ እናመርሐት ምስ ፒኤስጂ ክገጥሙ ኢዮም፡፡

ኣብ 2025 ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ጋንታታ ዓለም ዝተራኸባ ክለቲአን ጋንታታት፤ ቼልሲ ብምዕዋት ወናኒት እቲ ፅዋዕ ምዃና ኣይርሳዕን፡፡

ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ስታዲየም ፓርክ ደ ፕሪንስ ዝጅምር ፀወታ፤ ፔናዊ ዳኛ ኣሌሃንድሮ ሄርናንዴዝ ብማእኸል ዳይነት ክመርሑ ኢዮም፡፡

ብተመሳሳይ ሰዓት ሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ሳንቲያጎ ቤርናባው ንማንቼስተር ሲቲ እተኣናግደሉ ፀወታ ልዐል ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ሪያል ማድሪድ ኣብዚ ውድድር ዓመት ናብ 16 ዝተፀምበረት ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብምግባር እንትትከውን፥ ማንቼስተር ሲቲ ብግደኣ ብቐቀጥታ ናብ 16 ከምዝተፀምበረት ይፍለጥ፡፡

ኣብዚ ዓመት ኣብቲ መድረኽ 6ይ ዙር ፀወታ ተራኺበን ማንቼስተር ሲቲ ምዕዋታ ይዝከር፡፡

ብወገን ሪያል ማድሪድ ከም ኪሊያን ምባፔ፣ ሮድሪጎ፣ ቤሊንግሃም፣ ካሬራስ፣ ኤደር ሚሊታኦ፣ ዴቪድ ኣላባን ዳኒ ሴባዮስን ዝበሉ ተፃወትቲ ብጉድኣት ካብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ወፃእ ኢዮም፡፡

ምሸት ሰዓት 2፡45 ባየር ሊቨርኩሰን ምስ ኣርሰናል ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5 ቦዶ ግሊምት ምስ ስፖርቲንግ ሊዝበን ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት ኢዮም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment