ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ፓርቲታት ፖለቲካ ብዘላቒ ህንፀት ሰላም ግደ መሪሕነት ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም፡፡
ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ሰላምን ብሓባር ” ሰላም ብምፅናዕ ግደ ፓርቲታት ፖለቲካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘዳለው ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣመራርሓ ትካላት ዲሞክራሲ ተረኺቦም።
ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ኣወንታዊ ሰላም ንምጉልባት ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ።
ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ህንፀት ሰላም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ፓርቲታት ፖለቲካ ቁልፊ ግደ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዘጋጠሙ ዝነበሩ ጎንፅታት ንምፍታሕ ብሰላማዊ ዘተን ምኽባር ሕግን ብምኽያድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ሰላም ምዕሳሉ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!