ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ዝጀመሮም ተግባራት ከጠናኽር ኢዩ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ።
ኣብ ከተማ ሆሳኢና ክካየድ ዝፀንሐ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕ እቲ ፓርቲ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምርግጋዕ ዕዳጋን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብምግምጋም ተዛዚሙ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ናይ ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣንፈት ተግባራዊ ብምግባር ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ ኢሎም።
ክእለት ዝመርሖ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተግባራዊ ብምግባር ናይ ዜጋታት ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ንምስፋሕ ብዝተኻየደ ተግባራት ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተዛሪቦም።
ዝተረኸቡ ዕድላት ክብ ንምባል ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግን ዕድል ስራሕን ዘርክቡ ኣማራፅታት ቴክኖሎጂ ብኣግባቡ ምጥቃም ከምዝግባእ ገሊፆም።
ዕዳጋ ንምርግጋዕ ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሻት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ነዚ ንምጥንኻር ቀረብ ፍሪያት ንምዕባይ ቆላሕታ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም ከም ፀብፃብ ግዜኢ።