ፓርክታት ኢንዱስትሪ ንሃገራዊ ልምዓት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ምሕጋዝን ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ እናዓበየ መፂኡ ኢሉ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ።

እቲ ኮርፖሬሽን ብመንግስቲን ብውልቀ ሰብ ሃፍቲን ዝለምዑ ፍሉያት ዘቦታት ኢኮኖሚን ፓርክታት ኢንዱስትሪን ንልምዓት ሃገር ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦን ዘጋጠሙ ማሕላኻታትን ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተዛተየ ይርከብ።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ መላእ ሃገር ዘመሓድሮም 14 ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ፓርክታት ኢንዱስትሪን ልዕሊ 290 ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ከምዝተዋፈሩ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

በዚ ድማ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምዕባይ፤ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ኣብ ምምፃእ፣ ተካእቲ ፍርያታት ኣብ ምፍራይን በቢከባቢኡ ንዝርከቡሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ዘላቒ ዝኾነ ምትእስሳር ዕዳጋ ክፈጥሩ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ፡፡

ብይስማው ኣደራው

Comments (0)
Add Comment