ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣረርቲ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ዘውፅእ ፍርያት ሴራሚክ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ኣቕሪቡ፡፡
መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ታደሰ ቦሰት ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ፓርክ ኣፍረይቲ ፋብሪካት ሴራሚክ፣ ጨርቀ መርቂን ችፑድ ብምውፋር ስራሕቲ እናወገኑ ይርከቡ።
ብፍላይ እቲ ፓርክ ፍርያት ሴራሚክ ብበዝሒ ብምፍራይን ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ብምቕራብ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ክተርፍ ብምግባር ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣብዚ በጀት ዓመት 3 ሚሊየን 172 ሺሕን 546 ሜትሮ ኪዩብ ሴራሚክ ብምፍራይ 2 ቢሊየን 942 ሚሊየን 890 ሺሕን 816 ብር ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ምሻጥ ከምዝትኽኣለ ተዛሪቦም።
ብሓፈሻ እቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣብ ሰለስቲኦም ፋብሪካታት ዘፍረዮም ፍርያታት 3 ቢሊየን 153 ሚሊየን 617 ሺሕን 626 ብር ብምሻጥ ኣታዊ ከምዝረኸበ ሓቢሮም።
ብኣድማሱ ኣራጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!