ፓኪስታን ምስ ኣፍሪካ ንዘለዋ ዝምድና ንግዲ ኢትዮጵያ ቀንዲ መእተዊት በሪ ኢያ – ጃም ካማል ከሃን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓኪስታን ምስ ኣፍሪካ ንዘለዋ ዝምድና ንግዲ ኢትዮጵያ ቀንዲ መእተዊት በሪ ኢያ  ኢሎም ሚኒስትር ንግዲ ፓኪስታን ጃም ካማል ከሃን።

መበል ሓምሻይ ጉባኤን ኤግዚብሸንን ንግዲ ኣፍሪካ ፓኪስታንን  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓዊሱ ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተረኺቦም።

ኣብቲ ዝምድናታት ንግዲ ፓኪስታንን አፍሪካን ንምጥንኻር ዝዓለመ ኤግዚብሽን፥ ልዕሊ 150 ኩባኒያታት ፓኪስታን ከምኡወን ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ሃገራት ኣፍሪካ ተሳቲፎም።

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ጭቡጥ ውፅኢት የመዝግብ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምቹእ ምህዳር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከምዝተፈጠረ እውን ኣገንዚቦም።

ነዚ ድማ መንግስቱ ብቑርፀኝነት ከምዝሰርሐ ኣብሪሆም።

ጃም ካማል ከሃን ብግደኦም፥ ኣፍሪካ ዝነኣድ ህዝብን ዘይተተንከፈ ሃፍቲ ተፈጥሮን ከምዘለዋ ኣዘኻኺሮም።

ፓኪስታን ምስ ኣፍሪካ ንዘለዋ ዝምድና ንግዲ ኢትዮጵያ ቀንዲ መእተዊት በሪ ኢያ  ኢሎም ሚኒስትር ንግዲ ፓኪስታን ጃም ካማል ከሃን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment