ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንበዓል ፋሲካ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንሩሲያ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝኽበር በዓል ፋሲካ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ምኽንያት ብምግባር ሃገሮም ንምቁራፅ ተኹሲ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ነዳዲ ዘጋጠመ ፅዕንቶ ንምንካይ ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ዝግበሩ መጥቃዕቲታት ጠጠው ንኽብሉ ሓቲቶም፡፡
ኣብ በዓል ፋሲካ ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ድሉዋት ኢና ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ብዛዕባ ህይወት ሰብ ዝሓስብ ዝኾነ ይኹን ኣካል እቲ ጎንፂ ብዘላቕነት ጠጠው ንኽብል ክሓስብ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ሉኣላዊነትናን ክብርናን ዘይነክእ እንተኾይኑ ዝኾነ ይኹን ናይ ስምምዕነት ሓሳብ ምቕባል ድሉዋት ኢና ኢሎም፡፡
ኬቭ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ሩሲያ ትፍፅሞም መጥቃዕቲታት ጠጠው ንኽተብል መሓዙት ሃገራት ምኽረ ሓሳብ ምቕራበን ብምሕባር፥ ሩሲያ መሰል መጥቃዕቲታት ዘይትፍፅም እንተኾይና ሃገሮም እውን ዝቐረበ ፃውዒት ከምትቕበል ኣረጋጊፆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!