ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብምክትል ሓላፊ ብሄራዊ ኮንግረስ ቀዋሚ ኮሚቴ ቻይና ው ዊሁዓ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልተኣውን ዝምድናታት ምጥንኻር ኣብ ዝኽኣለሎም ጉዳያት ዘትዮም፡፡
እቲ ዘተ ብፈላይ ኣብ ኢትዮ ቻይና ኢንቨስትመንት ጠመተ ዝገበረ ምዝታዮም ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣረዲኡ።