ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ብሄራዊ ስታዲየም ናይሮቢ ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣስከሬን ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ስድራ ራይላ ኦዲንጋ፣ ፈተውቲን ኣዝማድን፣ ፖለቲከኛታትን ኬንያውያንን ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ኬንያው ዊሊያም ሩቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓለፉዎ መልእኽቲ፤ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ ኣብ ህይወት ዘበኖም ንፍትሒ፣ ዴሞክራሲን ሃገራዊ ዕቤትን ተቓሊሶም ኢዮም ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!