ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣሜሪካን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣሜሪካን ሓዊሱ 1 ሺሕን 500 ተሳተፍቲ ተረኺቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ምቹዋት ጉዳያት ቀፃ ኣንፈታት ከምዘቕምጥ ትፂቢት ይግበረሉ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዝገብሩ እንትኾኑ÷ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ድማ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊ ዘተታት ከምዝገብሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment