ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ፋይሌመን ያንግን ዘቲዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ምስ ኣመራርሓ ሕቡራት መንግስታት ፅቡቕ ዘተ ምክያዶም ገሊፆም።
መስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ዝነበረ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ሕቡራት መነግስታትን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክበን ዘጠናኽር ሃገራዊ፣ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ምዝታዮምን ምርድዳእ ምግባሮምን ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ምስ ፕሬዚዳንት ፋይሌመን ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ሰልጣንን ተግባርን፣ ሪፎርም እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝጠመተ ዘተ ከመዝገበሩ ተዛሪቦም።
በፍላይ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታት ወክልና ኣብ አትረኽበሉ ዝጠቅም ሓሳባት ምልውዋጦም ከምዝገለፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።