ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ፅባሕ ኣብ ሩሲያ ዝኽበር መበል 80 መዓልቲ ዓወት ሩስያ ንምስታፍ ሎሚ ንግሆ ናብ ሞስኮ ኣትዮም፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ሞስኮ እንትበፅሑ ላዕለዋይ ሓላፊ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣናቶሊ ባሽኪን ኣቐባብላ ገይሮምሎም፡፡
ካልኣይ ኩናት ዓለም ምዝዛም ስዒቡ ብፍላይ ድማ ነበር ሕብረት ሶቪየት ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዝረኸቦ እቲ ዓወት ዝዝክር በዓል ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡
እቶም ፕሬዚደንት ምስ ኣከባብራ እቲ በዓል ጎኒ ጎኒ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክልቲኣውን ከምኡ እወን ብኩለመዳይ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ከካይዱ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ግዜኢ ፀብፂቡ።