ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ስራሕቲ ልምዓት ትካል ተራድኦ ካቶሊክ ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ  ትካል ተራድኦ ካቶሊክ(ሲ ኣር ኤስ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንኢዶም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን  ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌልን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ሻን ካላሃንን ዘቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ትካል ተራድኦ ካቶሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ብምድጋፍ ብዙሓት ተግባራት የካይድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምንኣድ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ንዝግበሩ ተግባራት መንግስቲ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment