ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ዩኒቨርሲቲ ጎንደር 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዘህነፆም 22 ፕሮጀክታት መሪቖም ከፊቶም፡፡
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ÷ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሃገራዊን ትካላዊን ራኢ ኣብ ምዕዋት ጎደና ከምዝርከብ ኣልዒሎም፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ 70 ዓመታት ዕዙዝ ናይ ምምሃርን ምእተ ዓመት ኣገልግሎትን ጉዕዞኡ ኣብ ዝዝክረሉ ዕለት ዓበይቲ ፕሮጀክታት መሪቕና ከፊትና ኢሎም።
ካብ ሞንጎ እቶም ፕሮጀክታት ማእኸል ሕክምና ጨረር መንሽሮ፣ መፍረዪ ሕክምና ፕላንት ኦክስጅን፣ መፍረዪ ሰብ ስራሕ እግሪ፣ ቤተ ፈተነ ቅድመ ሕክምና፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ከምዝርከቡዎም ተዛሪቦም፡፡
እቶም ፕሮጀክታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ኣፍሪካ ዝበለፁ ናይ ምርምር ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ንምዃን ዝሓዞ ትልሚ ንኸዕውት፣ ኣገልግሎቱ ብዝበለፀ እናዘመነን እናበረኸን ኣብ ህንፀት ወለዶን ሃገር ኣሰሩ ንኸንብር ዕዙዝ ኣበርክቶ ዘለዎም ኢዮም ኢሎም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ መርኣያ ማእኸል ታሪኽ፣ ጥበብ፣ ስልጣነን ትምህርቲን ሃገርና ከምኡ እውን ጎንደር ምዃኑ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምርን ማሕበረሰብ ኣገልግሎትን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!