ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ ንዝጀመርዎ ፕሮጀክት ምምልኻዕ ኣዳራሽን ከባቢኡን ደገፍ ገንዘብ ንዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ እንግዶት ድራር ገይሮም።
ሓዱሽ ዓብዪ ኣዳራሽ ዋይት ሃውስን ከባቢኡን ንምምልኻዕ ናይ 200 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ንዝደገፉ ለገስቲን ሰብ ሃፍቲን ኣብቲ ቤተ መንግስቲ አንግዶት ድራር ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ህንፀቱ ዝጀመረን 90 ሺሕ ስኩዌር ጫማ ዝሽፍንን እቲ ኣዳራሽ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣጋይሽ ዘተኣናግድ ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ ፕሮጀክት፥ ኣሜሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ብዝሓሸ ኩነታት ንክውክል ዘኽእል ከምዘኾነ ተሓቢሩ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!