ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኢራን ናብ ዘመነ እምኒ ክንመልሳ ኢና ክብሉ፤ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ሓደ ወተሃደር ፀላኢ ካብ መሬት ኢራን ብህይወት ኣይወፅእን ክብሉ ኣጠንቂቆም።
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብዛዕባ ኢራን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ውሽጢ ሓያል መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣሜሪካ ኣብቲ ኲናት ዝሓሰበቶ ዕላማ ንምዕዋት ከምዝተቓረበት ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ሰበስልጣን ኢራን ነቲ ናይ ድርድር ዘቕረብዎ ሓሳብ እንተዘይተቐቢሎም እቲ ኲናት ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ላዕለዋይ ሓይሊ ኹናት ኢራን ሜጀር ጄነራል ኣሚር ሃታሚ ብወገኖም፤ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣንፃር ኢራን ወፍሪ እግረኛ ኹናት እንተጀሚሮም ሓደ ወታደር ፀላኢ ካብ መሬት ኢራን ብህይወት ኣይወፅእን ኢሎም።
ቴህራን ኣብዚ ዝሓለፉ መዓልቲታት ንኣሜሪካን እስራኤልን ይውግኑ እዮም ዝበለቶም ሃገራት መሰረተ ልምዓታት ኢንዱስትሪ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ መጠንቀቕታ ምዃኑ ገሊፃ ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ።