ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝገብሩዎ ዑደት ብስዑድ ዓረብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር ኣብ ካልኣይ ዘበነ ስልጣኖም ፈላማይ ዑደት ማእኸላይ ምብራቕ ብስዑድ ዓረብ ጀሚሮም።

ሎሚ መዓልቲ ሪያድ ዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ትራምፕ÷ ምስ መራሒ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ጠሚቶም ልዝብ ከምዝገብሩ ትፀቢት ይግበር፡፡

ቀንዲ ዕላማ ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ንኢኮኖሚ ኣሜሪካ ልዑል ሓዱሽ ኢንቨስትመንትን ንምዕሳል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝህልዎም ፃሒት ፎረም ኢንቨስትመንት ስዑድ ዓረብ-ኣሜሪካ ከምዝሳተፉ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ዑደቶም ቀፃሊ ዓርቢ ከምዝዛዘም ተሓቢሩ።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

Comments (0)
Add Comment