ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኲናት ጠጠው ንምባል መበገሲ ሓሳብ እንተቕርቡ፤ ኢራን ድርድር ዝበሃል ነገር የለን ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጠጠው ንምባል 15 ነጥቢ ዘለዎ መበገሲ ሓሳብ ዕላዊ ይግበሩ እምበር፤ ኢራን ዝኾነ ዓይነት ከይዲ ድርድር ከምዘየለ ኣፍሊጣ።
ምምሕዳር ትራምፕ እቲ ኲናት እናስዐቦ ብዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ምኽንያት ኣሜሪካ ምስ ኢራን ዝግበር ኲናት ብቕልጡፍ ጠጠው ንምባል የኽእል እዩ ዝበሎ በዓል 15 ነጥቢ መበገሲ ሓሳብ ዕላዊ ገይሩ።
ምስ ኢራን ንምዝርራብ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነን እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ብወገን ፓኪስታን ናብደ ኢራን ከምዝተልኣኸ ተሓቢሩ።
ፓኪስታን ናይ ምድርዳር ግደ ብመሓዝ እናሰርሐት ከምዝኾነት ዝተገለፀ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብቲ ዘተ እየተሳተፉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ብኣሜሪካ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 15 ነጥቢታት ፦
◉ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበሩ ማዕቐባት ክለዓሉ ምግባር፣
◉ ኣሜሪካ ንመፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ዝኸውን ሲቪል ኑክሌር ፕሮግራም ክትድግፍ፣
◉ ኣብ ቀፃሊ ዝንበሩ ማዕቐባት ስግኣት ከምዘይህሉ፣
◉ ኢራን ዘለዉዋ ጣቢያታት ስራሕቲ ምምዕባል ኑክሌር ጠጠው ንኽተብል ኣብታ ሃገር ዝኾነ ይኹን ዓይነት መሰረተ ልምዓት መማዕበሊ ዩራኒየም ከይህሉ ምግባር፣
◉ ትካላት ኑክሌር ናታንዝ፣ ኢስፋሃንን ፎርድን ክፈርሱ ምግባር፣
◉ ኢራን ዘለዋ ክዙን ዩራኒየም ንዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ (ኣይኤኢኤ) ክተረክብ ምግባር፣
◉ ኢራን ጥቡቕን ቀዋሚን ስርዓት ቁፅፅር  ኣይኤኢኤ ንኽትቅበልን ተቖፃፀርቲ ናብ ኑክሌር መሰረተ ልምዓታት ብናፅነት ክኣትዉ ምፍቃድን፣
◉ ኢራን ንጉጅለ ዕጡቓት ትገብሮ ሓገዝ ገንዘብ ወታደራዊ ናውቲን ጠጠው ንኽተብል፣
◉ ፕሮግራም ልምዓት ሚሳኤል ኢራን ብልዐል ብርኪ ንኽግደብን ሚሳኤል ኣጠቓቕማኣ ርእሳ ንምክልኻል ጥራሕ ንኽኸውን ምግዳብ፣
◉ ከምኡ እውን ወሽመጥ ባሕሪ ሆርሙዝ ክፍቲ ኮይኑ ክፀንሕ ምግባርን ሓዊሱ ካልኦት ጉዳያትን ዘካተተ ከምዝኾነ ኒውዮርክ ፖስት ፀብፂቡ።
እዚ ክዚ ኢሉ እናሃለወ ኢራን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ኣሜሪካ እናተገበረ ዝርከብ ምንም ዓይነት ርክብ ከምዘየለ ገሊፃ።
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኢራን ኲናት ጠጠው ንምባል ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ድልውቲ ከምዝኾነት ምግላፆም ስዒቡ፤ መንግስቲ ኢራን “ኣሜሪካ እናተደራደረት ትርከብ ምስ ባዕላ ኢያ” ብምባል ምብጫዉ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።
ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment