ፕሬዚዳንት እስራኤል ኣይዛክ ኤርዞግ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት እስራኤል ኣይዛክ ኤርዞግ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፈፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ብምድሃብ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment