ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ጉባኤ ኣፍሪካ-ጣሊያን ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ሓለዋ ንፅህናን ምርግጋፅ÷ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።
ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ሓዊሱ ሓለፍቲ ትከላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!