ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ኣማሲዮም ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ቅድም ክብል ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጂኦርጂያ ሜሎኒ ከምኡ እውን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሃሙድ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment