ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ኣማሲዮም ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ቅድም ክብል ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጂኦርጂያ ሜሎኒ ከምኡ እውን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሃሙድ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!