ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ኩባኒያታት ኢነርጂ እታ ሃገር ብሓዱሽ መገዲ ከምዝውደባ ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኩባኒያታት ኢነርጂ እታ ሃገር ብሓዱሽ መገዲ ከምዝውደባ ዕላዊ ገይሮም።

እቶም ፕረዚዳንት ነዚ ውሳነ ዕላዊ ዝገበሩ ሓለፍቲ ስራሕ እተን ኩባንያታት ብግዕዝይና ብምጥልቃዮም እቲ ዓውዲ ኢነርጂ ኣብ ፀገም ምጥሓሉ ድሕሪ ምግላፁ ኢዩ።

እታ ሃገር ምስ ሩሲያ ብሰንኪ ዝኣተወቶ ኩይናት ዓውዲ ኢነርጂ ኣብ ፈተና ወዲቑ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ እተን ኩባኒያታት ኣስታት 100 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምጥፍእፈአን ብምርመራ ተረጋጊፁ።

ስለዝኾነ ጎኒ ንጎኒ ኦዲት ለውጢ ማኔጅመንት ክግበር ኢዩ ኢሎም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment