ፕሬዝዳንት ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዝዳንት ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንቱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ፕሬዚዳንት ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ፃሒት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርክዬ ዘሎ ኩለመዳይ ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽር ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎ፡፡

ካብ 500 ዓመታት ዝተሳገረ ታሪኻዊ ርክብ ዘለዎን ኢትዮጵያን ቱርክዬን ኣብዚ ሕዚ እዋን ጥንኩር ምትእስሳር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣለወን፡፡

ኣብ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብቕድሚት ካብ ሞንጎ ዝፅራሓ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ቱርክዬ፤ ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ጨርቀመርቂ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ሕርሻን እወታትትን ከምኡ እውን ኣብ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ልዑል ተሳትፎ ኣብ ምግባር ትርከብ፡፡

ኢትዮጵያን ቱርክዬን ምትእስሳር ህዝቢ ምስህዝቢ፣ ታሪኽ ከምኡ እውን ባህሊ ዘለወን ሃገራት ኢየን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment